ምዕፃው ኢንተርኔት/ስልኪ ብዝምልከት ተሞክረኦም የካፍሉና
ኣክሰስ ናው ናብ ዘዳለዎ ፕሮጀክት ተሞክሮታት ምዕፃው ኢንተርነትን ስልክን እንኳዕ ደሓን መፁ፡፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ግዳይ ምዕፃው ኢንተርነት እንተደኣ ኔሮም፣ ተሞክሮኦም ክንሰምዖ ንደሊ፡፡ ኣብዚ ቅፂ ምዕፃው ወይ ምቁራፅ ክንብል ከለና ምቁራፅ ናይ ሞባይል ወይ ናይ መስመር ኢንተርነት፣ ኣገልግሎት ስልኪ ወይ እውን ካልኦት ከም በዓል ዋትስኣፕ፣ ትዊተር፣ ወይ ፌስቡክ ዝበሉ ኣገልግሎ ታት የጠቓልል፡፡

ኣብዚ እትፅሕፉልና ተሞክሮ ኢንተርነት ክዕፆ ከምዘይብሉ ዝጥይቕ #KeepItOn ብዝብል መግለፂ ዝፈለጥ ወፍሪ ኣክሰስ ናው ሓጋዚ እዩ፡፡ እቲ ወፍሪ ኣብዚ ምንባብ ይከኣል እዩ  (https://www.accessnow.org/keepiton). እተካፍሉና ተሞክሮ ድማ ኣብ ድሕረ ገፅና ወይ ብኻሊእ መራኸቢ ክነሕትሞ ንኽእል ኢና፡፡

መሰል ውልቀ ሂወቶም ከምእነኽብር እናገለፅና እንተደልዮም ኣብ ክንዲ ሓቃዊ ስሞም ዝመረፅዎ  ናይ ብርዒ ስም ምጥቃም ከምዝኽእሉ ክንሕብር ንደሊ፡፡ ብተወሳኺ ናይ ካልእ ሰብ ተሞክሮ እውን ምስዳድ ከምዝከኣል ክንገልፅ ንፈቱ፡፡ ሕቶ  እንተሃልይዎም ወይ እውን ዝህብዎ መልሲ ኣብ ክንዲ ብመንገዲ እዚ ቅጥዒ ብቐጥታ ብመልክዕ ኢመይል መልእኽቲ ምልኣኽ እንተደልዮም felicia@accessnow.org ዝብል ኣድራሻ ምጥቃም ይኽእሉ እዮም፡፡

 እዚ ቅጥዒ ብቛንቋ ፈረንሳ፣ ዓረብ፣ እስፓኛን ካልኦትን ንምጥቃም እንተደልዮም እዚ ዝስዕብ ይጠቐሙ https://www.accessnow.org/keepiton/#take-action 

Sign in to Google to save your progress. Learn more
ነዚ ሓበሬታ ክህብዎ ዝደልዩ  ርእሲ እንተሃልዩ
መግለፂ (መገዳዲ ኣይኮነን)
ስሞም መን ይበሃል ?ናፋቒ ዓዱ *
እዚ ሓበሬታ ክሕተም ስለዝኽእል እንተደልዮም ዝመረፅዎ ናይ ብርዒ ስም ይጠቐሙ፡፡ ዘካፍሉና ተሞክሮ ናይ ካልእ ሰብ እንተደኣ ኮይኑ(ንኣብነት ሞየኦም ጋዜጠኛ እንተደኣ ኾይኑ)በይዘኦም ስም በዓል ታሪኽ  የመልክቱ፡፡
ዝተኻየደ ምዕፃው ብኸመይ ፀልይዎም? *
ዝርዝር ሓበሬታ ከካፍሉና እንተኽኢሎም ይምረፅ፡፡ ዘገድሰና እዚ ምዕፃው ኣብኦም ዘብፀሖ ስምዒታዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ ኮታስ ኩለ-መዳይ ሳዕቤን ይሓቁፍ፡፡
ናይ ኢመይል ኣድራሻኦም *
እቲ ኣድራሻ ንኻልእ ኣካል ኣሕሊፍና ኣይንህብን፡፡ ኣንተኾነ ግን ዘካፈሉና ተሞክሮ ኣመልኪቱ ሕቶ እንተሃልዩና ናብኦም ንምልኣኽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና፡፡
ስእሎም ይልኹልና (መገደዲ ኣይኮነን)
ሕቶ  
ዘካፍሉና ተሞክሮ ኣዝዩ  ዘድምዕ ብስእሊ(ፎቶ) እንትስነ እዩ፡፡ እቲ ፎቶ ናይ ባዕሎም እንተዝኾን ዝምረፅ ኮይኑ ንኣገልግሎት ኢንተርነት ዝጥቀምሉ መሳርሒ ወይ ድማ ናይ ኸባቢኦም ስእሊ(ንኣብነት ስእሊ ናይ ስራሕ ቦተኦም፣ ገዛ ወይ ኸዓ ብሞስኮቶም ንደገ ዝርኢ ስእሊ ክኾን ይኽእል እዩ፡፡) እቲ ስእሊ ንምስዳድ ዝርከበሉ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ(URL)ኣብ ታሕቲ የቐምጡ ወይ እውን ነዚ ቕጥዒ ንምምላእ  ዝጥቀምሉ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ብምጥቃም ናብ felicia@accessnow.org ይልኣኹልና፡፡  
ተወሳኺ ሓበሬታ የካፍሉና(መገደዲ ኣይኮነን)
ዘካፍሉና ታሪኽ ብዝበለፀ ንምርዳእ ክሕግዝ ዝኽእል ተወሳኺ ሓበሬታ ምልኣኽ እንተኽኢሎም ነበረታትዕን ኣዚና ነመስግኖምን፡፡ ልዕል ክብል ዝመለስዎ  ዝመሰሎም ሕቶ በይዘኦም ይሕለፍዎ፡፡  
እዚ ዘካፈሉና ተሞክሮ ኣበይ ዓዲ ኮይኖም እዩ ኣጋጢምዎም?
እዚ ዘጋጠመ ምዕፃው ኢንተርነት ወይ ካልኦት ኣገልግሎታት ኣበየናይ ከተማ/ከባቢ ኣጋጢሙ?
እቲ ምዕፃው መዓዝ ጀሚሩ?እቲ መዓልቲ ብወግዒ እንድሕር  ዘይዝክርዎ ግምታዊ እዋን ምቕማጥ ይከኣል'ዩ፡፡
MM
/
DD
/
YYYY
ፆታ ይግለፃ/ይግለፁ  
ዕድመ
ሞየኦም እንታይ እዩ?
ኢንተርነት ንምጥቃም ብበዝሒ ዝጥቀምሉ መሳርሒ እንታይ እዩ?ናይቲ መሳርሒ ስምን ሞዴልን እውን ይሓብሩልና፣ ንኣብነት 'ኣይፎን-7' 'ሳምሰንግ ጋላክሲ S6' ብምባል፡፡
ኣገልግሎት ተቛሪፁ ኣብ  ነበረሉ እዋን ኣየናይ ኣገልግሎት፣ ድሕረ-ገፅ ወይ ፕሮግራም(ኣፕሊከሽን)ንምጥቃም ብዝያዳ ደልዮም/ናፊቖም ኔሮም?  
ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተገለፀ ብተወሳኺ ንባዕሎም ብዝምልከት ዝብሉና ነገር ይህሉዶ?
መጠን ናይቲ ምዕፃው ኣገልግሎት ከመይ ነይሩ?
Clear selection
እቲ ዘጋጠመ ጠቕላላ ናይ ኢንተርነት ምዕፃው እንተዘይነይሩ፣ ዝተቛረፀ እንታይ ከም ዝነበረ ይንገሩና፡፡
ብተንቀሳቐሲ ስልኪ ዝግበር ምድዋል ወይ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲኸ ተዓፅዩዶ ነይሩ?
Clear selection
ኣገልግሎት ተቛሪፁ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ካልእ ግዜ ዘይጥቀምሉ ናይ መራኸቢ መንገዲዶ  ተጠቒሞም ነይሮም ወይ ነቲ ምቁራፅ ንምስባር ዘኽእል ከም በዓል ቪፒን ወይ ቶር ዘኣምሰሉ ቴክኖሎጂታት ይጥቀሙዶ ኔሮም?
መልሶም ኣወንታዊ እንተኾይኑ ኣየናይ መንገዲ ከምዝተጠቐሙ ይሓብሩ፡፡
እቲ ምዕፃው ሕዚ'ውን ይቕፅል ኣሎ ድዩ?
Clear selection
እቲ ምዕፃው ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ፀኒሑ?
ድሕንነትን  መሰል  ግላዊ ሂወትን
ምሕላው ድሕንነቶም ኣብ ባዕሎም ይሞርከስ፡፡ ስለዝኾነ ድማ በይዘኦም ብመንገዲ ኣስራሒኦም፣ መንግስታዊ ኣካላት ወይ ካልኦት ኣካላት ንሓደጋ ዘጋልፆም መረዳእታ ኣብዚ ኣየስፍሩ፡፡ ብተወሳኺ እዚ ቅፂ ምልኣኽ እንተደኣ ስክፍታ ዝፈጥረሎም ኮይኑ በይዘኦም መልሶም ብቐጥታ ናብ felicia@accessnow.org ይልኣኹ፡፡

ናይ ኣክሰስ ናው ፖሊሲ ዕቀባ ግላዊ ሂወት ኣብዚ ተፈንጣሪ ምንባብ ይከኣል : https://www.accessnow.org/data-usage-policy/

በዚ ፎርም ዘካፍሉና ሓበሬታ ብመንገዲ ጎግል ኣቢሉ ይሓልፍ፡፡ ናይ ጎግል ፖሊሲ ዕቀባ ግላዊ ሂወት ድማ ኣብ ዝስዕብ ይርከብ https://www.google.com/policies/privacy/
ዘካፈሉና ተሞክሮ  ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ
ንዘካፈሉና  ተሞክሮ  ኣዚና ነምስግን፡፡  ታሪኾም ኣንቢብና  ናብ መሓውር ኣክሰስ ናው ብምብታን ኣንፃር ምዕፃው ኢንተርነትን ስልክን ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ክንጥቀመሉ ኢና፡፡

እቲ ታሪኾም ከም ኣድላይነቱ ናብ ካሊእ ቋንቋ ክንትርጉሞን ንግልፅነት፣ ንውሓት፣ ቅርፂ፣ ስዋስው ወይ ናይ ቃላት ስሕተት ንምዕራይ ክበሃል ክንእርሞን ንኽእል ኢና፡፡

ዝተቐበልናዮ ኩሉ ታሪክን ተሞክሮን ከነሕትሞ ወይ ክንልጥፎ  ኣይከኣለናን፡፡ እዚ ናቶም ታሪኽ እንድሕር ደኣ ክንልጥፎ  ኾይንና ግን በቲ ዘቐመጥዎ ናይ ኢመይል ኣድራሻ  ኣቢልና ክነፍልጦም ኢና፡፡ እነሕትሞም ታሪኻት መሰል ቅዳሕ ድማ ክርኤቲቭ ኮመንስ ኣትሪቡሽን እናተበሃለ ብዝፍለጥ ኣሳራራሕ ዝግዛእ ይኸውን፡፡ እዚ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዝስዕብ ምንባብ ይከኣል https://creativecommons.org/licenses/by/4.0.  


ኣነሕና ነዚ ታሪሕ ነሕትሞ ኣይነሕትሞ ንሶም ግን እንተደልዮም እዚ ታሪኾም ምሕታም ከምዝኽእሉ ክነዘኻኽር ንደሊ፡፡


Submit
Clear form
Never submit passwords through Google Forms.
This form was created inside of Accessnow.org. Report Abuse