ኣክሰስ ናው ናብ ዘዳለዎ ፕሮጀክት ተሞክሮታት ምዕፃው ኢንተርነትን ስልክን እንኳዕ ደሓን መፁ፡፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ግዳይ ምዕፃው ኢንተርነት እንተደኣ ኔሮም፣ ተሞክሮኦም ክንሰምዖ ንደሊ፡፡ ኣብዚ ቅፂ ምዕፃው ወይ ምቁራፅ ክንብል ከለና ምቁራፅ ናይ ሞባይል ወይ ናይ መስመር ኢንተርነት፣ ኣገልግሎት ስልኪ ወይ እውን ካልኦት ከም በዓል ዋትስኣፕ፣ ትዊተር፣ ወይ ፌስቡክ ዝበሉ ኣገልግሎ ታት የጠቓልል፡፡
ኣብዚ እትፅሕፉልና ተሞክሮ ኢንተርነት ክዕፆ ከምዘይብሉ ዝጥይቕ #KeepItOn ብዝብል መግለፂ ዝፈለጥ ወፍሪ ኣክሰስ ናው ሓጋዚ እዩ፡፡ እቲ ወፍሪ ኣብዚ ምንባብ ይከኣል እዩ (
https://www.accessnow.org/keepiton). እተካፍሉና ተሞክሮ ድማ ኣብ ድሕረ ገፅና ወይ ብኻሊእ መራኸቢ ክነሕትሞ ንኽእል ኢና፡፡
መሰል ውልቀ ሂወቶም ከምእነኽብር እናገለፅና እንተደልዮም ኣብ ክንዲ ሓቃዊ ስሞም ዝመረፅዎ ናይ ብርዒ ስም ምጥቃም ከምዝኽእሉ ክንሕብር ንደሊ፡፡ ብተወሳኺ ናይ ካልእ ሰብ ተሞክሮ እውን ምስዳድ ከምዝከኣል ክንገልፅ ንፈቱ፡፡ ሕቶ እንተሃልይዎም ወይ እውን ዝህብዎ መልሲ ኣብ ክንዲ ብመንገዲ እዚ ቅጥዒ ብቐጥታ ብመልክዕ ኢመይል መልእኽቲ ምልኣኽ እንተደልዮም
felicia@accessnow.org ዝብል ኣድራሻ ምጥቃም ይኽእሉ እዮም፡፡
እዚ ቅጥዒ ብቛንቋ ፈረንሳ፣ ዓረብ፣ እስፓኛን ካልኦትን ንምጥቃም እንተደልዮም እዚ ዝስዕብ ይጠቐሙ
https://www.accessnow.org/keepiton/#take-action