ወጻኢታት ኮለጅ ብኸፊሉ ንምሽፋን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኮርስ መመዝገቢ ክፍሊት ሓምሳ ዶላር ኣሜሪካ ($50) እዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ኮርሳት ክትወስዱ እንተ መዲብኩም፡ እቲ ክፍሊት $100 ይኸውን። እቲ መስርሕ ምዝገባ ምስተጻፈፈ፡ መሕተቲ ክፍሊት (invoice) ክንሰደልኩም ኢና። ነቶም ኣብ ሃገራት ኣህጉር ኣፍሪቃ እትነብሩ ወይ ክትከፍሉ ዓቕሚ ዘይብልኩም ድማ፡ ናይ ድጎማ (Scholarship) መደብ ኣለና።
ኣብ ትምህርቲ፡ ጎጉል ክላስሩም (google classroom) ከምኡውን ዋትስኣብ (WhatsApp) ስለ እንጥቀም፡ ናይ ክልቲኡ መስመር ክህልወኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ኩሉ እቲ ሓበሬታ መሊእኩም ምስ ወዳእኩም፡ ነታ ኣብ ታሕቲ ዘላ "submit" እትብል ብምጥዋቅ፡ እዚ ፎርም ምርካብ ኣይትረስዑ። ኣብ ውሑድ ደቓይቕ፡ ንምዝገባ ዝምልከት ሓበሬታን ኣገደስቲ ማላግቦታትን ዝሓዘ መልእኽቲ በቲ ዝተመዝገብኩሙሉ ኢመይል ክመጸኩም እዩ። ስለዚ ነቲ መልእኽቲ ከተንብብዎን ነቲ ዝህበኩም ሓበሬታ ከተተግብርዎን ድማ ንላቦ።