መመዝገቢ ፎርም 2ይ ክፍለ ዓመት 2024
ካብዘን  ዓውደ ትምህርትታት፡ ምስቲ ዘልኩም ግዜ ርኢኹም ኣየኖት ክትመሃሩ ከም ትኽእሉ ምረጹ። ብገምጋም ንሓንቲ ዓውደ ትምህርቲ ንምምሃር፡ ሰሙናዊ 2 ሰዓት ናይ ትምህርቲ ግዜን 4 ሰዓት ብግልኻ ምንባብን የድልዮ። ስለዚ፡ እቲ ዝልዓለ ክትምዝገብዎ እትኽእሉ ብዝሒ ዓውደ ትምህርትታት ሰለስተ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብዙሕ ጻዕርን ግዜን ከም ዘድልዮ ክትግንዘቡ ነዘኻኽር።  
  1. ቅዳሴን ስብሓታትን 2ይ ክፋል (Liturgy & Hymnology II)፥ ረቡዕ ሰዓት 10:00 - 12:00 ምሸት ብናይ ኤርትራ
  2. ታሪኽ ቤተክርስትያን 1ይ ክፋል (Church History I)  ፥ ዓርቢ ሰዓት 10:00 -12:00 ምሸት ብናይ ኤርትራ
  3. ትምህርቲ ጉስነት (Pastoral Theology)፥ ቀዳም ሰዓት 6፡00 - 8፡00 ምሸት ብናይ ኤርትራ
  4. መሰረት እምነት ክርስትና (Dogmatic Theology)፥ ቀዳም ሰዓት 10:00 -12:00 ምሸት ብናይ ኤርትራ     
ናይ ምዝገባ ግዜ ክሳብ 04 ግንቦት 2024 ኮይኑ፡ ትምህርቲ ዝጅመረሉ ሰሙን ድማ 05 ግንቦት 2024 እዩ።

ወጻኢታት ኮለጅ ብኸፊሉ ንምሽፋን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኮርስ መመዝገቢ ክፍሊት ሓምሳ ዶላር ኣሜሪካ ($50) እዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ኮርሳት ክትወስዱ እንተ መዲብኩም፡ እቲ ክፍሊት $100 ይኸውን። እቲ መስርሕ ምዝገባ ምስተጻፈፈ፡  መሕተቲ ክፍሊት (invoice) ክንሰደልኩም ኢና። ነቶም ኣብ ሃገራት ኣህጉር ኣፍሪቃ እትነብሩ ወይ ክትከፍሉ ዓቕሚ ዘይብልኩም ድማ፡ ናይ ድጎማ (Scholarship) መደብ ኣለና።

ኣብ ትምህርቲ፡ ጎጉል ክላስሩም (google classroom) ከምኡውን ዋትስኣብ (WhatsApp) ስለ እንጥቀም፡ ናይ ክልቲኡ መስመር ክህልወኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኩሉ እቲ ሓበሬታ መሊእኩም ምስ ወዳእኩም፡ ነታ ኣብ ታሕቲ ዘላ "submit" እትብል ብምጥዋቅ፡ እዚ ፎርም ምርካብ ኣይትረስዑ። ኣብ ውሑድ ደቓይቕ፡ ንምዝገባ ዝምልከት ሓበሬታን ኣገደስቲ ማላግቦታትን ዝሓዘ መልእኽቲ በቲ ዝተመዝገብኩሙሉ ኢመይል ክመጸኩም እዩ።  ስለዚ ነቲ መልእኽቲ ከተንብብዎን ነቲ ዝህበኩም ሓበሬታ ከተተግብርዎን ድማ ንላቦ።

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ነዚ መላግቦ ተጠቒምኩም፡ ነቲ መግለጺ ቪድዮ ተዓዘብዎ።
Email *
Geez *
ምሉእ ስም ብናይ ግእዝ ፊደላት፥
Latin *
ምሉእ ስም ብናይ እንግሊዝ ፊደላት፥
Ordination *
ኣገልግሎት ኣብ ቤተክርስትያን፥
Sex *
ጾታ፥
gmail *
ናይ ጂመይል ኣድራሻ፥
Phone *
ቁጽሪ ተሌፎን (ንዋትስኣፕ ትጥቀምሉ ) ምእተዊ ናይቲ ሃገር ዘለዎ (ንኣብነት፡  +2917123456)፥
Country *
 እትነብርሉ ሃገር፥
Country (if not listed above)
 እትነብርሉ ሃገር (ኣብ ላዕሊ እንድሕር ዘይተዋሂቡ)፥
Goal *
ሸቶ ትምህርቲ፥
  • ንፍልጠት፥  ቀጻሊ ኣብ ክፍሊ ብምስታፍ መንፈሳዊ ዕብየት ንምርካብ እምበር፡ ዝወሃብ ዕዩ ወይ ዝተሓዝ ነጥቢ የለን። ኣብዚ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው፡ ሓንቲ ዓውዲ ጥራይ ክፍቀድ እንከሎ፣ እቶም ኣብ ካልእ ኣህጉራት ዘለው፡ መመዝገቢ ክኸፍሉ ግድን እዩ።
  • ንዲፕሎማ፥ ዲፕሎማ ንምርካብ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ቀጻሊ ኣብ ክፍሊ ብምስታፍን ዝውሃቡ ንጥፈታ ብምስራሕን መሕለፊ ነጥቢ ምርካብ ግድን እዩ።
Next
Clear form
Never submit passwords through Google Forms.
This content is neither created nor endorsed by Google. Report Abuse - Terms of Service - Privacy Policy